ኣብ ሃገረ ግሪኽ፡ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ተባሂሉ ዝወጸ ናይ ምንቅስቓስን ማሕበራውን እገዳታት፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኣከቡ ኣብ ማዓስከራት ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ መዓልታዊ መነባብረኦም እንዳኸፍኤ ከምዝመጸ ተሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት በቲ ዘሎ እገዳ ምንቅስቓስ ካብ ማዓስከራቶም ክወጹ ስለዘይፍቀዶም ኣብቲ መሰረታዊ ድሌት ወድሰብ ናይ ምምላእ ጉድለት ዘሎዎ ማዓስከራት ተዳጉኖም ኣደዳ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እዚ ጸብጻባት፡ ናብ ሕብረት ኤዉሮጳ ኮምሽን ስደተኛታት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ጥራዓን ቀሪቡ ከምዘሎ እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።