ጓል 31 ዓመት ስዑዳዊት ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ሉጃይን ኣልሓጥሉ ካብ 2018 ንደሓር ብመንግስቲ ስዑዲያ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ከም እተፈትሐት ስድራቤታ ብረቡዕ ገሊጾም።
ሓጥሉል ኣብ 2013 እያ ስማ ክገንን ጀሚሩ። ንሳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደቀንስትዮ መክና ናይ ምምራሕ መሰለን ክኽበር ክትንቀሳቐስ ጀሚራ። ኣብ 2014 ኣብ ዶብ ስዑዲን ኢማራትን መኪና እናዘወረት ስለ እተረኽበት ናብ ማሕቡስ ወሪዳ 73 መዓልታት ምሕላፋን እዚ ተመኲሮ ድማ ኣብ ኣክቲቪስትነት ንዘለዋ ቈራጽነት መሊሱ ከም ዝደርዖን ትገልጽ።
ኣብ 2016 ኣብ ስዑዲያ ናይ ምምሕዳር ከተማ ውድድር ተሳተፈት። ነቲ ኣብ ስዑዲያ ዘሎ ደቀንስትዮ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ከይንቀሳቐሳ ዝእግድ ሕጊ ክስረዝ ድማ ናይ 14 ሽሕ ሰባት ክታም ዘለዎ መጸዋዕታ ናብ ንጉስ ሳልማን ኣቕሪባ።
ኣብ 2018 ኣብ ጀኔቫ እተኻየደ ኣኼባ ብምስታፍ ን ኮሚተ ምውጋድ ተነጽሎ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ኲነታት ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ሓጺር መብርሂ ሂባ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይታ ዓመት ድማ ብመንግስቲ ስዑዲያ ካብቲ ትምህርታ እትከታተለሉ ዝነበረት ሃገረ ኢማራይ ዓረብ ተታሒዛ ብሓይሊ ናብ ሪያድ ከም እትምለኣ ተገብረት። ንሳን ካልኦት እሱራት ተጣበቕቲ መሰልን ብብሕቲ ከም ዝእሰራ ተጌሩ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ።