ኣብ ስዊትዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንዱም ክልተ ሲሶ ካብ ኣድመጽቲ: መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ክግበር ከም ዝድግፉ ገሊጾም። በዚ ድማ ብ 64% ናይ “እወ” ድምጺ ስዊትዘርላንድ ንመርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ሕጋዊ ዝገበረት ሃገር ኮይና ኣላ።
እዚ ኣብ ታሪኽ መሰል LGBT ዝደመቐ ምዕራፍ እዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ናይዚ ማሕበረሰብ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብቲ መስርሕ ረፈረንደም: ዓቃባውያን ሰልፊታት ፖለቲካ: እዚ ውሳነ ንያታ ሕብረተሰብና ዝብክል እዩ ክብሉ ነቲ ሓሳባት ከም እተቓወምዎ ተፈሊጡ።
ስዊትዘርላንድ: ካብ 2007 ኣትሒዛ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ጽምዲታት ክምዝገቡ ኣዊጃ ጸኒሓ እያ። ብመሰረት እዚ ሕጊ እዞም ጽምዲ ብምወላ ዘርኢ ወይ ብሕጊ ቆልዑ ከዕብዩ ክፍቀዶም እዩ።
ንስዊትዘርላንድ ሓዊስካ 30 ሃገራት ኤውሮጳ ንመርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ሕጋዊ ጌረን ኣለዋ።