ኣብ ዴንማርክ: ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ: ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ስኩተራት ዝዝውሩ ሰባት: ቆብዕ መከላኸሊ ርእሲ (helmet) ክጥቀሙ ከም ዝግባእ ተሓጊጉ ምህላው ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ሕጊ’ዚ ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ብሞተር ዝሰርሓ ከም ስኬትቦርድ ዝኣመሰላ ‘ሚዛን እንዳሓለዋ’ ዝሰርሓ ናእሽተይ መጓዓዝያታት ንዝጥቀም ሰብ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ዕላማ ናይዚ ሕጊ ምትእትታው፡ ነቲ እንዳበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ርእሲ መጉዳእቲ ንምንካይ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። መጽናዕቲታት ከም ዘርእይዎ ፡ ብናእሽተይ ሞተራት ዝሽክርከራ መጓዓዝያታት ምጥቃም ፡ ዕቱብ መጉዳእቲ ናይ ምብጻሕ ልዑል ዝኾነ ሓደጋ ከምዘሎ ይሕብሩ።
“ብተወሳኺ’ውን ዝተፋላለዩ ገምጋማት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ሓደ ኪ.ሜ ክስላዕ ከሎ፡ እቲ ናይ መጉዳእቲ ምብጻሕ ሓደጋ ብብሽግለታ ካብ ዝጥቀሙ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ብስኩተራት ዝጥቀሙ ካብ 7 ክሳብ 10 ግዜ ዝተዓጻጸፈ እዩ” ክትብል: ፔርኒሌ ኤህሌርስ: ካብ ቤት ምኽሪ ናይ ድሕነት ትራፊክ ሓቢራ።
እዚ ማለት ግና፡ ኣብ ልዕሊ ስኩተራት: ሓፈሻዊ እገዳ ምእዋጅ ግቡእ እዩ ዝብል እምነት ከምዘየለ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“እዘን መሳርሒታት መጓዓዝያ: ክንጥቀመለን ዘይተርፍ ብምዃኑ፡ እቲ ካብ ሙጉዳእቲታት እቲ ዝበኣሰ ዝባሃል ናይ ርእሲ መጉዳእቲ ምክልኻል ግና ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዴንማርክ፡ ብሽክለታታት ዝውጥሑ ሰባት: መከላኸሊ ርእሲ ክኽደኑ ዘገድድ ሕጊ የለን፥ ኮይኑ ግና ብዝሒ ዘለዎም ብሽክለታታት ዝውጥሑ ሰባት: ብገዛእ ፍቓዶም መከላኸሊ ናይ ርእሲ ይጥቀሙ እዮም” ክትብል ፔርንሂሌ ኤህሌርስ ወሲኻ ሓቢራ።
እቲ ኣገዳዲ ሕጊ ክልካዕ ከሎ፡ ንቖልዑት ክሳብ 100%፣ ንዓቕሚ ኣዳም ንዝበጽሑ ክሳብ 50%፣ ስኩተራት ንዝጥቀሙ ግና ክሳብ 3% ጥራይ ይበጽሕ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ስኩተራት፡ ካብ 2019 ጀሚረን እየን ኣብ ዴንማርክ ኣገልግሎት ክህባ ዝጀመራ።