ትማሊ ሓሙስ ኣጋ ምሳሕ፥ ኣብ ያርቫ ሰሜን ስቶክሆልም፥ ንኣርባዕተ መዓልታት ክጸንሕ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ፈስቲቫል
ኤርትራውያን፡ ዕግርግር ከም እተፈጥረ ተፈሊጡ። እቲ ፈስቲቫል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ዝተኣኻኸቡሉ እዩ ብዝብል
በቶም ነቲ መንግስቲ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ክንቀፍ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ነቲ ዝግበር ፈስቲቫል ዘይድግፉ ሰባት ጥቓቲ ጽንብል
ዝካየደሉ ቦታ ብ ናይ 50 ሜትሮ ርሕቀት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዱ ብ ፖሊስ ፍቓድ ከም እትዋህቦም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጸኒሑ ግና
ጎነጻዊ መልክዕ ብምሓዙ ፖሊስ ኣብ መንጎ ንኽኣትዉ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ክልቲኦም ተቓምውቲን ደገፍቲን መንግስቲ፥
ኣእማንን ሽኻላት ዳስን ከም እተደራበዩ፥ ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ’ሎ።