ካብ ሰልፊ ዕዮ ስኾነ Jonas Gahr Støre ዝቅጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዌይ ክኸውን እዩ። ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ እዚ 61 ዝዕድሜኡ Støre ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ምስ ማእከላይን ዴሳዊን ሰልፊ ዝርርብ ጀሚሩ’ሎ።
እዚ ልዝብ ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እውን ከም ዝካየድ ትማሊ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሕድሕድና ጽቡቕ ምትእምማንን ምፍላጥን ስለዘሎ እቲ ልዝብ ብጽቡቕ ክካይድ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ ኢሉ።
ብዝሒ ድምጺ ረኺብና ስለዘለና ኣብዚ ልዝብ ተዓዊትና ብቕድሜና ዘለዉ ብድሆታት ከም እንሰግሮም ትስፉው እየ ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ። ወፍሪ ምርጫ ስለእወድአ ሕጂ ቋንቋናን መዋቕርናን ክንቅይርን ኣብ ክንዲ ኣብ ዝፈላልየና ኣብ ዘሕብረና ጒዳያት ከነተኲርን ከድልየና እዩ ኢሉ’ሎ።
ሰልስቲአን ሰልፊታት ብሓባር ካብ 169 መንበራት ነቲ 89 ተዓዊተናሉ ኣለዋ።