ሎሚ ሰኑይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቨን፡ እቲ ኩሉ ሰብ ክጽበዮ ዝጸንሐ ውሳነ ሂቡ። ስቴፋን ሎቨን፡ ካብ መዝነቱ ከም እተፋነወ ሓቢሩ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ውሳኔ፡ እቲ ዝኸበደ ፖለቲካዊ ውሳነይ እካ እንተኾነ፡ ህዝቢ ሽወደን፡ ንተወሳኺ መስርሕ ምርጫ ድሉው ከምዘይኮነን ንሃገረ ሽወደን ድማ ኣብዚ ናይ ለበዳን ቁጠባዊ ቅልውላውን እዋን ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ዘይርግ ጋእ ዘለዎ ኩነታት ከእትዋ ከምዘይደሊ ብምሕባር፡ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ክእለ ከምዝሓተተ፡ ሎቨን፡ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቑሙ ዝኽእሉ ወገናት ንምንዳይ ሓላፍነት ወሲዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።