ናብ ምድሪ ገጹ ዝሕንበብ ዝነበረ ስብርባር መንኰርኰር ቻይና: ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከም ዝዓለበ ተገሊጹ።
ዝበዝሐ ክፋል እታ መንኰርኰር: ናብ ከባቢ ኣየር (ኣትሞስፌር) ምድሪ ምስ በጽሐ: ከም ዝተቓጸለ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፥ እዚ ስብርባር ኣበይ ኮን ይወድቕ ይኸውን ዝብል ስግኣታት ኣሕዲሩ ምጽንሑ፥ እንተኾነ ግና ሎሚ ኣብ ምዕራብ ማልዲቪስ ምዕላቡ ቢቢሲ ገሊጹ።
ቻይና ኣቐድም ኣቢላ ብምውዳቕ እዚ ስብርባር መንኰርኰር ዝወርድ ጒድኣት ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን ብምባል ከተዋድቖ ጸኒሓ እያ።
እዛ ሎንግ ማርች 5-b ዝተባህለት መንኰርኰር ሰዓት 10:40 ድ/ቀ ኣቢላ ናብ ከባቢ ኣየር ከም ዝኣተወት ኣብ ምውዳቓ እውን ዝኾነ ጒድኣት ከም ዘይወረደ ተገሊጹ’ሎ።