እዚ ምቊራጽ ተዂሲ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ንግሆ ጀሚሩ ተግባራዊ ብምዃን ነቲ ን 11 መዓልታት ዝቐጸለን 240 ሰባት ዝቐዘፈን ጎነጽ፡ ዕረፍቲ ሂብዎ’ሎ።
መብዛሕትኦም ካብዞም ግዳያት ኣብ ቓዛ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ምዃኖምን ይፍለጥ። ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ እዚ ምቊራጽ ተዂሲ “ንቐጻሊ ዓወታት ኣገዳሲ ዕድል” ዝኸፍት እዩ ብምባል ገሊጽዎ’ሎ። ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ብኣጋርን ብመካይንን ናብ ጎደና ብምውጻእ ጭርሖታት እናስምዑን ጥሩምባ መኪና እናስምዑን ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ ክብክ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ጽዒንዎ ዝጸንሐ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ፡ ከም ዘልዓሎ ሓቢሩ’ሎ።
ሓማስን እስራኤልን ኣብዚ ግርጭት፡ ተዓዊትና፡ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ።