Källa BBC TIGRINJA
ኣብ 1612 ኣብ ጎዶናታት ፓሪስ ሓደ ተመራማሪ ካብ ሞት ዘድሕን ምህዞ ምሂዙ ዝብል ዘረባ ሰብ ክቀባበለሉ ጀሚረ።
እቲ ተመራማሪ ኒኮላስ ፈላምል እዩ ዝብሃል፤ 300 ዓመታት ከምዝነበረ’ውን ይንገረሉ ነበረ፡ ብዘይካ እዚ ንተራ እምንን ሓጺንን ናብ ወርቂ ዘቐይር ዓቕሚ ኣለዎ’ውን ተባሂልሉ።
ኒኮላስ ፈላምል ክመውት ኣይክእልን’ዩ ዝብል ዘረባ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኣለ፡ ናይቲ እዋንን ናይ ሕጅን ፍሉጥ ተመራማሪ ኣይዛክ ኒውተን ከይተረፈ ነቲ ዘረባ ኣመኖ፤ ነታ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል እትዘንቱ መጽሓፍ’ውን ደጋጊሙ ብምንባብ ክመራመረላ ጀሚሩ ነበረ።
እንተኾነ እቲ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል ዝዝረብ ዝነበረስ ሓቂ ኣይነበረን።
ንሱስ ተራ ጽሓፍን ኣብ መበል 88 ዓመቱ ኣብ 1418 ዝሞተ እዩ ዝነበረ፡ እታ ንሱ ጽሑፍዋ ዝተብሃለት ‘ኣልከሚስት’ ዝኣርእስታ መጽሓፍ’ውን ብኻልእ ጽሓፊ ዝተጸሓፈት እያ።
እታ ቅድሚ ዘመናት ሓሶት ተባሂሉ ዝተረሰዐ ንሰብ ከምዘይመውት ዝገብር ምርመር ግን ኣይቅሃመን።
ኣብ 1961 ኣብ ዘመናዊ ቤተ ምርምር ፍላደልፍያ ፈኸም ክብል ጀመረ።
ንዘመናት ተመራመርቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርከቡን ንኣካላትና ዘቑሙን ብገምጋም 37.2 ትሪልዮን ዝኾኑ ውሃዮታት፡ ኣብ ክልተ እናተመቐሉን እናተተኸኡን ከምዘንብሩናን’ዮም ዝርድኡ ነይሮም።