ሓኪም ስነኣእምሮ ( psychologist)፡ ተመራማሪ ናይ ኣካላዊ ፍወሳን (biomedical analyst) ዓቃቢ መጻሕፍቲ ( librarian) ክኸውን ዝደሊ ሰብ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ትምህርቲ ቀሲሙ ድሕሪ ምምራቑ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሉ ዝለዓለ ምዃኑ ካብ ማሕበር ንግዲ ሳኮ (Saco) ዝተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ተመራመርቲ ስነ ባህርያት፡ ተመራመርቲ ጥዕና፡ መራኸቢታትን ናይ ቤተ መዘክር ስራሓትን በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ዝለዓለ ተወዳዳርነት ዘለዎም ሞያታት ምዃኖም፡ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ጠበቓታት፡ ክኢላታት ቁጠባ፡ ዶክተራን ናይ ኮሌጅ ኢንጅነሪታትን ድማ ምዕሩይ ዝኾነ ዕዳጋታት ስራሕ ከጋጥሞም እዩ ክብል ሳኮ ገሊጹ።
ብመንገዲ ትምህርቲ ዝርከቡ ሞያታት፡ ብሩህ መጻኢ ዘለዎም እዮም ክብል እቲ ማሕበር ኣስሚርሉ ኣሎ።
ትምህርቲ፡ እቲ ካብ ሽቕለት ኣልቦነት ዘናግፍ ዝሓሸ ምርጫ ምዃኑ፡ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታትሉ ሰባት፡ ድሕሪ ትምህርቶም፡ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድላት ዘጋጥሞም ምዃኑ፡ ኣቦወንበር ሳኮ፡ ጎራን ኣሪዩስ፡ ኣብ ዝሰደዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ጽሒፉ።