ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣና እተኣልየት መራሒት ሃገረ ምያንማር ዝነበረት ሳን ሱ ኪ፡ ን ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ዓመታት ክትእሰር ቤት ፍርዲ ምያንማር ወሲኑ’ሎ።
እዚ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዎኪቶኪ ምዕዳጋን ሕጊታት ኮቪድ-19 ብምጥሓሳን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደላ ዕልዋ፡ መንግስቲ ሱ ኪ፡ ደርዘን ዝኾኑ ክሲታት ቀሪቦምላ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። ንሳ ንዂሎም ክሲታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ክትብል ነጺጋቶም ኣላ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሱ ኪ፡ ፍርዲ ማእሰርታ ተቓሊሉ ክልተ ዓመታት ጥራይ ተወሲኑላ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።