ጀርመናዊ ኩባንያ ባዮንቴክ፡ ንሓድሽ ጅር ደልታ ንምክልኻል፡ ንፍርያቱ ከማዕብል ከምዘየድልዮ ብምጥቃስ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ብምሃብ ጥራይ ንደልታ ክከላኸል ከምዝኽእል፡ ኣካያዲ እቲ ኩባንያ፡ ኡጉር ሻሂን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ፡ ንዘሎ ክታበት ዝጻወሩ፡ ሓደስቲ ጅር ኮሮና፡ ክራኣዩ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል፡ ሻሂን፡ ኣብ ርብዒ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይቲ ኩባንያ ጠቒሱ።
ከምዝፍለጥ ኩባንያ ፋይዘር-ባዮንቴክ፡ 2.2 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣፍርዩ ከረክብ ስምምዕ ፈሪሙ ምንባሩ ይዝከር። ክሳብ 21 ሓምለ ድማ፡ 1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣፍርዩ ከምዘረከበ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝነበረ ገምጋም መጠን ሽያጥ ናይ ኩባንያ ፋይዘር፡ 12.4 ቢልዮን ዩሮ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ኣታዊ ኮይኑ ዘሎ ግን 15.9 ቢልዮን ዩሮ ምዃኑ እቲ ኩባንያ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ መጠን ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር፡ ክሳብ ሰለስተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ክኸውንን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ቢልዮን ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋማት ይገልጹ።