ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ድሕሪ ዝኸፈቱዎ ተኹሲ፡ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት እንዳወሰኸ ከምዝኸደ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣፍሊጡ።
እዞም ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ዘቕንዑ ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ሱዳን፡ ኣብቲ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘጋጠመ ጎነጽ፡ እንተወሓደ፡ 7 ሰልፈኛታት ከም ዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ ጸብጻብ ዝተረኽበ ካብቶም ናይቲ መንግስቲ ዝቃወሙ ሓኻይም ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ናይቲ ጁንታ፡ ክቃወሙ ከምዝወጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እቲ ሓላፊ ናይዞም ሓይልታት ጸጥታ ብወገኑ፡ እቶም ብድሕሪ’ዚ ተቓውሞ ኮይኖም ጠንቂ ናይዚ ናዕቢ ዝኾኑ ዘለው ሰባት፡ በቲ ኣብዛ ሃገር ዝርአይ ዘሎ ጎንጺታት ክሕተቱ ከምዝግባእ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ተገሊጹ’ሎ።
እዞም ሰኑይ ዝተገብሩ ሰልፍታት፡ ኣብ ካርቱም እኳ እንተተገብሩ፡ ኣብ ብዙሕ ካልኦት ቦታታት ግና ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ይግበሩ ከምዘለው እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። ማዕከን ዜና AFP ከምዝሓበሮ፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝኾነት ኻርቱም፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ንኽብትኑ፡ ጽኑዕ ዝኾነ ምድላዋት ከምዝገበሩን ናብ ስጉምቲ ከምዝተሰጋገሩን ኣቃሊሑ።
ከም ጸብጻብ ጉጅለ ሓኻይም እንተኾይኑ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ፡ መንብዒ ጋዝን ናይ ብሓቂ ጠያይትን ከምዝተጠቀሙ ኣቃሊሖም። እዚ ሓበሬታ ብሳልሳይ ወገን ኣይተረጋጸን ዘሎ።
ካብ ዓመተ 2019 ኣትሒዙ፡ ድሕሪ እቲ ንሱዳን ንነዊሕ እዋን ዝገዝአ ውልቀ-መላኺ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ካብ ዝእለይ ኣትሒዙ፡ እቲ ኩነታት ከይተረጋግአ ጽኒሑ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ወታሃደራዊ ጁንታ ስልጣን ብሓይሊ ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብታ ሃገር፡ ብርክት ዝበሉ ናዕብታት ከምዝተራእዩ ዝፍለጥ እዩ።
ዛጊት፡ ብሰንኪ ኣንጻር እቶም መራሕቲ ዕላዋ፡ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።