ትማሊ ረቡዕ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምስሓባ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ብሰንኪ ዶብዊ ግርጭት ከቢድ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከምኡውን ኢትዮጵያ ነቲ ጠንቂ ምስሕሓብ ዝኾነ ዳግመ-ምምላእ ሓጽቢ ሚለንዬም ክትጅምር ምዃና ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን እዩ ነዚ ስጒምቲ ዝወስድ ዘሎ።
ሱዳን ንርክባት ክልቲኣተን ሃገራት ኣመልኪታ ክትዝቲ ንኣምባሳደራ ስሒባቶ ኣላ ክብል ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ መንሱር ቡላድ፡ ን ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ሓቢሩ። ንሱ ዝርዝር እቲ ጒዳይ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቘጠበ እቲ ዝርርብ ምስ ተወድአ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ብጉዳይ ፋሻቓ ኣብ ዶባዊ ረጽሚ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እያ፡ ሱዳን፡ ንኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ እትስሕብ ዘላ። ክልቲኣተን ሃገራት ብጉዳይ ምጉህሃር እቲ ግርጭት ንሓድሕደን ክካሰሳ ጸኒሐን እየን። ሓይልታት ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሱዳን ወተሃደራዊ ተጻብኦ ምግባራን ነቲ ጉዳይ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ክዓርግ ምግባራን ካርቱም ብሰንበት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ከሲሳ ኔራ። ዝሓለፈ ወርሒ ሱዳን ናብ መሬተይ ትኣቱ ኣላ ብምባል ኢትዮጵያ ክትወቕሳ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።