ናብ ሉኣላዊ መሬታ ክደፍእ ዝፈተነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደፊኣ ከም ዝመለሰት ሱዳን ገሊጻ። መራሒ ሰራዊት ሱዳን: ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን: ሰራዊት ሱዳን ሉኣላውነት ሃገሩ ንምክልኻል ሕጂውን ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ውግእ: ኣብ ኣውራጃ ኡም ባራኪት ከም ዘጋጠመ: ዓብደልፈታሕ: ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ: ብዛዕባዚ ርእይቶ ክህብ ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።
እንተኾነ ግና ምንጪታት መንግስቲ ኢትዮጵያ: ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ሰራዊትና ኣብ መሬት ሱዳን ኣይኣትወን” ኢሉ ኣሎ።
ኡም ባራኺት ኣብቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብጽሒተይ እናበላ ዝከራኸራሉ ዞባ ኣልፋሽቓ ዝርከብ እዩ።
ብኻልእ ዜና: በዓልመዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን: ነቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ተዓጊቱ ዝነብረ ቱቦታት ነዳዲ ተከፊቱ ሰደድ ነዳዲ ክቕጽልን ምስ ኣድመኛታት ቤጃ ኣብ ስምምዕ ብምጽሑ ኣፍሊጡ’ሎ።