ሓላፊ ዋና ተቓዋሚ ሰልፊ ሰኔጋል፡ ዑስማን ሶንኮ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ ሕቶታት ንኽምልስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተባሂሉ። ትማሊ ረቡዕ ዝቐረበ ባይቶ ሰኔጋል፡ ነቲ ሓላፊ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ንኽለዓል ዝሓለፈ ሰሙን ድምጺ ድሕሪ ምሃቦም እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ ናይ ማሳጅ ኣገልግሎት እትህብ ጓለንስተይቲ ንሶንኮ ብጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምኽሳሳ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ዓብዪ መዘራረቢ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሶንኮ ብወገኑ ነቲ ክሲ ብምኽሓድ፡ እዚ ኮነ ኢልካ ዝተኣልመን ኣብ 2024 ኣብ ዝግበር ምርጫ ንኸይሳተፍ ንምውጋድ ዝተሰርሐን ውዲት እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
46 ዝዕድሜኡ ሶንኮ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ውድድር ሳንኮ ን ፕረሲደንት ማኪ ስቶል ዓብዪ ብድሆ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝሓለፈ ሰሙን ደገፍቲ ሶንኮ፡ ካብዚ ውንጀላ ንጹህ እዩ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጌሮም ኔሮም እዮም።
59 ዝዕድሜኡ፡ ስቶል፡ ንሳልሳይ ግዜኡ ክወዳደር ምዃኑ ጥርጣረታት ኣብ ዝመጹሉ ግዜ፡ እዚ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ውንጀላ ከም እተኸስተ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዛ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ፕረዚደንት፡ ክልተ እብረ ጥራይ ከም ዘገልግል እኳ እንተኾነ፡ ስቶል ኣብ 2016፡ ምትዕርራይ ቅዋም ብምግባሩ ንሳልሳይ ግዜ ፕረሲደንት ክኸውን ባህጊ ኣለዎ ዝብሉ ጥርጣረታት ከም ዘለዓዓለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ጊኒን ኮት ዲቭዋን ፕረሲደንታተን ምምሕያሽ ቅዋም ብምግባር ንሳልሳይ ግዜ ምውድዳሮም ዝዝከር እዩ።