ትማሊ ምሸት ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶል’ተንበርግ፡ ቱርኪ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ልዝብ፡ ሽወደን ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር
እወ ኢላ ከምዘላ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት፥ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ሓድሽ ዕማማት ይጽበዮም ኣሎ ማለት እዩ። ህሉው
ምዕባለታት ዘርእዮ ነገር እንተሎ፥ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣሰላልፋ ሓይሊ ኣየር ክህሉ ምዃኑ እዩ ይብል፥ ሌተናል ኮሎኔል ጆኣኪም
ፓሲኪቪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን።
ንሱ፡ “ኣብ ዞባና ኣብ ጒዳይ ጸጥታ ለውጢታት ክረአ ምዃኑ ግሁድ እዩ። ኣባል ኔቶ ምዃንና ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየዱ ን ዞባዊ
ጸጥታ ዝምልከቱ ጒዳያት ብሓባር ክንውስን ከኽእለና እዩ። እዞም ውሳነታት ድማ ኣብ ውጥን ምክልኻል እዚ ዞባ ናይ ነዊሕ እዋን
ጽልዋ ክህልዎም እዩ” ኢሉ’ሎ።
እዚ እናኾነ ሩስያ ንምጽንባር ሽወደን ናብ ኔቶ ኣመልኪታ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ’ላ።