ኣብ ኻዛኽስታን፡ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብመሰረት መንግስቲ ዝገበሮ ጻውዒት፡ ሰራዊት ሩስያ ናብታ ሃገር ምእታዉ ተገሊጹ።
ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝጀመረን ንመዓልታት ዝቐጸለን ህዝባዊ ናዕቢ፡ ዛጊት ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ሕቡራት ሃገራት፥ ብሪጣንያ፥ ኣመሪካን ፈረንሳን ኲሎም ወገናት ጎነጽ ካብ ምጥቃም ክቚጠቡ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ። መንግስቲ ኻዛኽስታን ነቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ገበነኛታት እዮም ዝበሎም 26 ዕጡቓት ምቕታሉን ልዕሊ 3000 ዝኾኑ ድማ ናብ ቤት ማሕዩር ምእታዉን ገሊጹ’ሎ።
በዚ ዕግርግር 18 ኣባላት ጸጥታ ክቕተሉ እንከለዉ 748 ካልኦት ድማ መጒዳእቲ በጺሕዎም ኣሎ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ። እዚ እናኾነ እንከሎ ሎሚ ዓርቢ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቃስም ቶካየቭ፡ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ኣቢሉ ንህዝቢ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ፕረዚደንት ኻዛኽስታን፡ ምንጪ ናይዚ ዕግርግር ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝሰልጠኑ ግብረ-ሽበራውያን ምዃኖም እዩ ዝገልጽ። ብረቡዕ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ሩስያ እትመርሖ ውድብ ኪዳን ሓባራዊ ጸጥታ፡ ሓገዝ ሓቲቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ውድብ፡ ሩስያ፥ ኻዛኽስታን፥ ቤላሩስ፥ ታጂኽስታንን ኣርሜንያን ኣባላት ምዃነን ይፍለጥ። ድሮ 2500 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት እዚ ውድብ ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ። እዞም ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኮይኖም ዕላማኦም ንመንግስቲን ወተሃደራዊ ትካላትን ምሕላው ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንወፍሪ ሰራዊት ሩስያ ብተጠንቀቕ ይከታተሎ ምህላዉ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መስላትን ትካላት ኻዛኽስታንን ዝወርድ ዝኾነ ምንቅስቓስ ሸለል ከም ዘይብሎ ኣጠንቂቑ’ሎ።