ሰሜን ኮርያ: ትማል ረቡዕ: ዕዉት ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል ሃይፐርሶኒክ ምክያዳ መንግስታዊ መደበር ዜና እታ ሃገር ገሊጻ።
በዚ ድማ: 700 ኪሎሚተር ዝርሕቀቱ ዕላማ ብዓወት ክትወቅዕ ምኽኣላ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ወጥሪን ምክንያት ብምግባር ንሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ንምድንፋዕ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ምእታዉ ዝዝከር እዩ።
እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ንምክትታል ሓይሊ ጸላኢ ክስንጥቕ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ ሰሜን ኮርያ ንኣመሪካን ቻይናን ቀጺላ እዚ ሚሳይል ዝወነነት ሃገር ኮይና’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: ሰሜን ኮርያ: ምስ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝነበረ ዘተ ድሕሪ ምጒታቱ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።