ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት (SD) ነቲ ድርብ ዜግነት ክኽልከል ዝብል ጠልቡ ደው ከምዘበሎ ብስም መዓልቲ ዲሞክራስያውያን ሽወደናውያን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዘካየዶ ጉባኤኡ ገሊጹ። ዜግነት ሽወደን ንምውሳድ ዘድልዩ ቅጥዕታት ግን ክዛይዱ ከምዘለዎም ይጠልቡ። ዜግነት ሽወደን ክወሃቦ ፍቓድ ዝሓትት ሰብ ኣቕዲሙ ሓደ ኣካል ናይ ማሕበር ሰብ ሽወደን ብምዃን ቋንቋ ሽወደን ክመሃር፡ ባህልታትን ሕግታትን ሽወደን ከኽብር ከምዘለዎ ምኽትል ኣቦ-ወንበር ጉጅለ ሰልፍታት ፓርላማ፡ ሄንሪክ ፊንግ ንተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት (SD) ነቲ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ጠለብ ምኽልካል ድርብ ዜግነት ኣብዚ ሓድሽ መደቡ ደጊሙ ከምዘይጸቕጠሉ ይገልጽ። እቲ መሰረታዊ ሓሳብ ናይዚ ሓድሽ መደብ ነቲ “ዝኾነ ናይ ሽወደን ዜጋ ድርብ ዜግነት ክህልዎ ኣይግባእን” ዝብል ሓሳብ ዘየጠቓልል ክኸውን እዩ። ዜጋታት ናይ ካልእ ሃገር ኮይኖም ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎ ሰባት ጌና ርክቦም ምስ ሃገሮም ጥቡቕን ሓያል ስምዒታዊ ዝምድና ከምዘለዎም ኣብ ከባቢና ንዕዘቦ ሓቂ ኮይኑ ነቲ ርክቦም ክዕቅብዎ ከምዝኽእሉ’ዩ ርኢቶና። ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት(SD) ኣብዚ ሓድሽ መደቡ ንብዙሕ ካብቶም ኣብ ዓመተ 2011 ዝተመድቡ ውጥናቱን መግለጺታቱ ዳግመ ግምት ብምግባር ክኣልዮም ወይ ከመሓይሾን ምዃኑ ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።