ኣብ ኢኳተርያል ጊኒ ብዘጋጠመ ተኸታታሊ ምፍንጃራት፡ ብውሕዱ 17 ሰባት ምሟቶምን ኣማኢት ድማ ምቚሳሎምን ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። ቊጽሪ ዝቘሰሉ ሰባት 420 ከም ዝበጽሕ ዝገለጸ፡ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ፡ እዚ ምፍንጃር ትማሊ ሰንበት፡ ጥቓ ከተማ ባታ፡ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መኻዚኖታት ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
ምኽንያት ናይዚ ምፍንጃር፡ ኣብቲ ወተሃደራዊ መኻዚኖታት ዝነበረ ዘይርጡብ ኣተሓሕዛ ነተጒቲ፡ ዲናሚት፡ እዩ ክብል ፕረሲደንት እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።
ትማሊ ሰንበት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብታ ከተማ እተኸስተ ዒግ ዝበለ ትኪን ዕንወትን ሒዘን ወጺአን ምንባረንን ብተወሳኺ ድማ ካብቲ ፍርስራስ፡ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምድሓን ዝጽዕሩ ሰባት ብተሌቪዥን እታ ሃገር ከም ዝተራእዩ ተሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዝሰደዶ ተኸታታሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲታት፡ ወለንተኛታት ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ናብ ዞባዊ ሆስፒታል ባታ፡ ብምኻድ ሓገዞም ክህቡን ከምኡውን ብዙሓት ቊሱላት ብምህላዎም፡ ህዝቢ፡ ናይ ደም ልገሳ ክገብር ተማሕጺኑ’ሎ።
ኣምባሳደር ፈረንሳ ኦሊቭዬር ብሮሽኒን ነቲ ኲነታት ዓብዪ ዕንወት እዩ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ስድራቤት ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ ሰዲዱ’ሎ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት ብብዝሒ ተሓከምቲ ኣዕለቕሊቐን ምህላወን TVGE ብተወሳኺ ከምዝሓበረት ተፈሊጡ።