ኣመሪካዊ ደራፋይ ራፕን ተዋሳኣይን DMX ጽንዕ ዝበለ ሕማም ልቢ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ምህላዉ ጠበቓኡ ሙራይ ሪችማን ገሊጹ። እዚ ተዋሳኣይ ውሉፍ ዕጸ ፋርስ ኮይኑ ብዝሕ ዝበለ ዓመታት ኣብ ቤተ ተሃድሶ ከም ዘሕለፈ ዝፍለጥ እዩ። DMX ከም ትእምርቲ ሙዚቃ ራፕ ከም ዝረአን ምስ ከምኒ ጄዚ፥ ዣሩል፥ ኤልኤል ኩልን ምዕያዩን ኣብ ፊልም እውን ከም ዝሳተፍን ጸብጻባት የመልክቱ። ሓቀኛ ስሙ ኤርል ሲመንስ ዝኾነ ወዲ 50 ዓመት DMX ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ዋይት ፕሌይንስ ኒውዮርክ ቤተሰቡ ከቢቦሞ ከም ዝርከቡ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። “ሕጂ ባዕሉ ከስተንፍስ እኳ ክኢሉ እንተሎ፥ ኣእምሮኡ ገና ንቡር ንጥፈት ኣይጀመረን ዘሎ” ክብል ጠበቓኡ ገሊጹ’ሎ። DMX ኣቦ 15 ቆልዑ ኮይኑ ብሸለልትነት ዝመልኦ ምዝዋር መኪና፥ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ብዘርኣዮ ጭካነ፥ ምጥቃም ዕጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ምውናን ብረትን ብርክት ዝበለ እዋን ኸም እተኣስረ ይፍለጥ።