ሩስያ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያታ ኣቢላ፡ ካብ ውዕል “ክፉት ሰማያት” ከምዝወጸት ሓቢራ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብዚ ስምምዕ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ሩስያ፡ ካልኣይቲ ሃገር ኮይና ኣላ። ኣሜሪካ፡ ካብዚ ስምምዕ ምውጻኣ፡ ሃገራት ኤውሮፓ ጽቡቕ ከምዘይተሰመዐን ገሊጸን ምንባረን ይዝከር።
ኣቐድም ኣቢላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንደ፡ ናብ ስምምዕ “ ክፉት ሰማያት” ንኽትምለስ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ክተእምን ክትጽዕርን፡ ንሩስያ ድማ ኣብቲ ስምምዕ ንኽትቅጽል ክትጽውዕን ምዃና ንመርበብ ሓበሬታ ተተ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።
ስምምዕ “ክፉት ሰማያት”፡ ኣባላት እቲ ስምምዕ ዝኾና ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ዶባት ናይተን ጎረባብቲ ሃገራት ዘይ ወተሃደራዊ በረራታት ንኽካይዳ ዘኽእል ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ዝያዳ ምትእምማን ዘማዕብል እዩ።