ሩስያ ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን ምስጓጓ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ። ንሳ ትማል ሰሉስ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ትዊተር ጽሑፍ “ሎሚ ሩስያ ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን ትሰጒግ ኣላ፡ እዚ ተግባር ሩስያ ምንም ዕላማ ዘይብሉን ካብ መጠኑ ዝሓለፈን እዩ” ክትብል ገሊጻ’ላ። “ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ ብምስጓጒ እትረኸቦ ነገር የለን፡ ብኣንጻሩ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ኣጋጢምዋ ዘሎ ተነጽሎ መሊሱ ዘጋድድ ጥራይ ዘይኮነ ሽወደን እውን ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ንኽትህብ ዝደፋፋእ እዩ” ክትብል ወሲኻ ጽሒፋ’ላ።
እዚ ምስጋጒ ነቲ ሽወደን ወራር ሩስያ ብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣመኽንያ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ክትሰጒግ ውጥን ከም ዘለዋ ስዒቡ ዝመጸ ግብረመልሲ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ተተ ጸብጺቡ’ሎ።