ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት: ሰራዊት ምያንማር: ኣብታ ሃገር: ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ብምክያድ ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝረሸነ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣቃሊዑ።
ሰራዊት እታ ሃገር: ዓዲታት ብምኽባብ ንሰብኡት ጥራይ ፈልዮም ከም ዝቐተሉ ብህይወቶም ዝወጹን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊጾም። እዞም ዝተቐትሉ ፈለማ ዘስካሕክሕ ምስቓይ ከም እተኻየደሎምን ድሕሪ ምርሻን ድማ ከም ዝቐበርዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እዚ መርሸንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ: ኣብታ ምንጪ ተቓወምቲ መንግስቲ እያ ዝተባህለት ኣብ ማእከላይ ምያንማር እትርከብ ኣውራጃ ሳጋዪንግ ገጠር ካኒ እዩ ተፈጺሙ። ቢቢሲ ካብ መሰኻኽር ዓይኒን ናይ ደረቕ ስእልን ቪድዮን ሓበሬታ ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ መርመራዊ ፕሮግራም: ኣብ ዪን ሰብኡት ኣኣዳዎም ብገመድ ድሕሪ ምእሳሮም ከም እተጨፍጨፉ ኣቃሊዓ’ላ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ለካቲት: ነቲ ብሱ ኪ ዝምራሕ ዝነበረ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምምንዛዑ ካብ ህዝቢ ሰፊሕ ተቓውሞታት ክወርዶ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።