ደሞክራሲ ዝብል ቃል፡ ካብ ‘ደሞስ‘ ማለት ህዝቢ፡ ‘ክራተይን‘ ከኣ ምምሕዳር ዝብላ ቃላት ግሪኽ ዝቖመ‘ዩ። ስርዓተ ደሞክራሲ፡ ድሕረ ባይታኡ ቅድሚ ግዜና እዩ ጀሚሩ። 500 ዓመት ቅድሚ ግዜና ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺሉ። ሽዑ እታ ግሪኻዊት ከተማ ኣተንስ ካብ ውልቀ መላኽነት ናብ ሓደ ደሞክራሲያዊ ዓይነት ምሕደራ ተቐዪራ። እንተኾነ ግን ሰብኡት ጥራይ‘ዮም ክውስኑ ዝኽእሉ ነይሮም። ኣንስቲ፡ ባራዩን ወጻእተኛታትን ኣብ ውሳነ ምንም ተራ ኣይነበሮምን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኴንና ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ናይ ኣተንስ ደሞክራሲ፡ ከም ደሞክራሲ ክርአ ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሽወደን ዘሎ ደሞክራሲ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ደሞክራሲ ክዓቢ ዝኸኣለ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ክጻረሩዎ ምስ ጀመሩ እዩ።
ንኣማኢት ዓመታት ቤተክህነት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ስልጣን ነይሩዎ። ናይ ሽዑ ነጋውስን ሃጸያትን ስልጣንና ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ’ዩ ይብሉ ነይሮም። ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ግን፡እቲ ናይ ቤተክርስትያን ስልጣን እናተዳኸመ መጺኡ። ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ሰባት እምነቶም ክልውጡ ስለ ዝደለዩ እዩ። ‘ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ ነቲ እምነት ክርስትና ዘይኮነስ ንስልጣንን ገንዘብን እዩ ደው ኢሉ ዘሎ’ ዝብል እምነት ሓዲሩዎም። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ’ዚ ድማ ‘ሪፎርመሽን ወይ ተሃድሶ’ ይብሃል። ተሃድሶ፡ ነቲ ክርስትናዊ ቤተክርስትያን ከፋፊሉዎን ኣዳኺሙዎን። ሽወደን፡ ብ16 ክፍለ ዘመን ነቲ ካቶሊካዊ እምነት ገዲፋ ፕሮተስታንታዊት ሃገር ኮይና።
ካብ መፋርቕ 18 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዘመነ ምንቕቓሕ (upplysningstiden) ዝብሃል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ሰባት በቲ ናይ ሳይንስ ምዕባለ ተደሪኾም ንቤተክህነትን ነቶም ስልጣን ካብ ኣምላኽ እዩ ዝመጽእ ዝብሉን ክነቕፉ ጀሚሮም። ኣብቲ ዘመን’ቲ ዝነበረ ፈረንሳዊ ፈላስፋ፡ ሓንቲ ሃገር ብኸመይ ዝበለ ፖለቲካዊ መንገዲ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ዝነግር ርእይቶ ነይሩዎ። ንሱ፡ ቻርለስ ሎዊስ ደ ሞንተስኲዩ ይብሃል ነይሩ። ስልጣን እንተ ደኣ ተኸፋፊሉን ተፈላሊዩን፡ ግሩም ሚዛን ከም ዝፈጥር ሓሲቡ። እተን ሰለስተ ክፍልታት ስልጣን: ሓጋጊ ስልጣን (den lagstiftande makten): ፈጻሚ ስልጣን (den verkställande makten): ፈራዲ ስልጣን (den dömande makten) ይብሃላ።
ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ኣገዳሲ ፍጻመ፡ እቲ ብ1789 ዓ.ም ዝተኸስተ ሰውራ ፈረንሳ’ዩ። ሽዑ ድማ’ዩ ህዝቢ ፈረንሳ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጉስ ኣድማ ገይሩ። ድሕሪ እቲ ሰውራ’ቲ፡ ሃገረ ፈረንሳ በቲ ናይ ዘመነ ምንቕቓሕ ምንቅስቓስ ዝተደረኸ ሕግታት ኣስፊራ። ንሱ ድማ፡ ስልጣን ካብ ህዝቢ ከም ዝነቅልን ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ኣይበልጽን ዝብልን እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሰብኡት ዘበሉ ዜጋታት ጥራይ እዮም ብዛዕባ ውሳነታትን ወሰንትን ከድምጹ ዝኸኣሉ።
ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ሶሻሊዝም ተላዒሉ። እዚ ድማ በቲ ኣዚዩ ፍሉጥ ሰብ ካርል ማርክስ እዩ ተኸሲቱ። ብመሰረት ሶሻሊዝም፡ ኣብ መንጎ ኩሉ ሰብ፡ ማዕርነትን ፍትሕን ክነግስ ይምከር ነይሩ። እቲ ሓሳባት ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ፡ ናይ ሰራሕተኛታት ውድባትን ማሕበራትን ናይ ሶሻሊዝም ሰልፍታትን ኣብ ኩሉ ኤውሮጳ ተጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን እቲ ማዕርነትን ፍትሕን፡ ንኣንስትዮ’ውን ክጥርንፍ ድምጹ ኣቃሊሑ።