ኣብ ዓውዲ “ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ” ዝምዝገብ ዘሎ ምዕባለ ን ህይወት ዓሌት ወዲሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ይኸውን ምህላዉ፥ ኣቦ
“ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ጆፍሪ ሂንተን ኣተሓሳሲቡ። 75 ዝዕድሜኡ ሂንተን ኣብ ዓውዲ “ኣርቲፊሻል
ኢንተሊጀንስ” ዝገበሮ ኣበርክቶ ከም ዝጠዓሰሉን ካብ ኲባንያ ጒግለ ብፍቓዱ ምልቃቑን ን ጋዜጣ “ኒውዮርክ ታይምስ”
ገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ካብ ሰብ ዝትሕት ብልሒ እዩ ዘለዎ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ሓጺር እዋን እዚ ተቐዪሩ ካብ
ሰብ ዝልዕል ብልሒ ከማዕብል እዩ። እዚ ድማ’ዩ ንህላወ ወዲሰብ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ ዝብል ዘለኹ” ክብል ዶ/ር
ሂንተን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ።
ዶ/ር ሂንተን ኣብ ከም እኒ “ChatGPT” ዝኣመሰሉ.ስርዓተ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ብ ምምዕባል ዕብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ
በዓልሞያ ኮምፕዩተር ሳየንስ ከምኡ’ውን ካግኒቲቭ ሳይኮሎጂ እዩ።