ሰራዊት ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን፡ ንኽልተ ቕነ ዝኸውን ድሕሪ ዘካየዶ ስርሒት፡ 100 ዝኾኑ ብእስላማውያን ዝፍለጡ ዕጡቓት ምቕታሉ ክልቲአን መንግስታት ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ሓቢረን።
እዚ መግለጺ፡ ብናጻ ኣካል ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ።
ብቕድሚ ትማሊ፡ ፕረሲደንት ቡርኪና ፋሶ፡ ሮሽ ካቦሬ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጂሃዳውያን ዝሃልቕ ዘሎ ሰራዊት ምኽንያት ብምግባር እተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ፡ ካብ ስልጣኑ ምግላፉ ዝዝከር እዩ።
ብሓሙስ፡ በቶም እስላማውያን ጂሃዳውያን፡ ብውሕዱ 13 ኣባላት ወለንታዊ ሲቪላዊ ሚሊሻ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከም እተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ወለንታዊ ሓይሊ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናይ እስላማውያን ጎነጽ ከየስፋሕፍሕ ብምባል ዝተፈጥረ እዩ ኔሩ። ዛጊት 250 ኣባላት እዚ ወለንታዊ ሓይሊ ከም እተቐትሉ ድማ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓሰርተታት ወተሃደራትን ፖሊስን እውን ከም እተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ።