ምውሳኽ ሙቐትን ምንካይ ጠሊን ንኣግራብ ዘይምቹእ ኩነታት ስለዝፈጥር፡ ለውጢ ክሊማ ንኣግራብ ኣሜሪካ ዓቢ ሓደጋ የስዕብ
ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብተመራመርቲ ዩሲ ሳንታ ባርባራን ዩኒቨርሲቲ ዩታን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ
ዕጫ እዞም ኣግራብ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብሪሁ’ሎ። እቲ መጽናዕቲ ብኣገልግሎት ኣግራብ ኣመሪካን ክኢላታት
ፊዚዮሎጂ እጸዋትን ዝተኣከበ መረዳእታ ብምውህሃድ፡ ኣግራብ ንደርቂ ዘለዎም ተቓላዕነቶም ምስ ዝቕየር ናይ ምትዕጽጻፍ
ዓቕሞም ገምጊሙ’ሎ።
እዚ ኣብ መጽሔት “ግሎባል ቸንጅ ባዮሎጂ” ዝተሓትመ ምርምር፡ መብዛሕትኦም ኣግራብ ምስ ነቕጽን ሃሩርን ናይ ምትዕጽጻፍ
ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎም፡ እዚ ግና ዝመጽእ ጸቕጢ ንምክልኻል እኹል ዘይምዃኑ ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ ንመጻኢ ምርምር
ኣግራብ ከም ከም መዐቀኒ ኮይኑ ዘገልግል ኮይኑ፡ ንጻዕርታት ዕቃበን ምሕደራን መምርሒ ዝህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ፈላማይ ኣዳላዊ
ናይቲ መጽናዕቲ፥ ከምኡ’ውን ኣብ ክፍሊ ጂኦግራፊ ዩሲኤስቢ ተሓጋጋዚ ሳይንቲስት ፕሮጀክት ግረግ ኩቲን፡ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ
ዝመጽእ ስእነት ማይ ኣግራብ እኹልን ስሉጥን ግብረመልሲ ክህብይ ዘይክእሉ ምዃኖም ከም ዘሰከፎ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡
ብዙሓት ኣግራብ ኣህጉር ኣመሪካ፡ ተጻዋርነት ደርቂ ንምዕባይ ዘኽእል ብዙሕነት ስለዘለዎም፡ ተስፋ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ።
እቶም ጸሓፍቲ፡ ድርቂ ዝጻወሩ ዓይነታት ኣግራብ ምትካል ዝሓሸ ኣማራጺ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ስጉምቲ ንባዕሉ ለውጢ
ክሊማ ምቅላል ምዃኑ ኣመልኪቶም።