መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኔ ሉፍ፡ ድሕነት ህዝቢ፡ ምርግጋጽ ማዕርነት ከምኡ’ውን ምውህሃድ ስደተኛታት ኣተኲሮ ክወሃቦም ከም ዝግባእ፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ መደረ ገሊጻ። ኲሎም ሰልፊታት ፖለቲካ፡ ብጒጅለታት ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽን ገበንን ደው ንኽብል ዝጸውዐት ሉፍ፡ እዞም ተግባራት ን ክፉት ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ቀጥታዊ ስግኣታት እዮም፡ ክትብል ኣመልኪታ። ሉፍ ነዚ ዝበለት፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ኣኼባ ያርቫቬካን እያ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።