ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ሓረስታይ ኣብ ግራቱ ብጽቡቕ በቚሉ ንዝነበረ እኽሊ ንምሕላው ናይ ሓሶት ባንቡላ ዕንጸይቲ ገይሩ ብመልክዕ መስቀል ብምድላው ጨርቂ ሸፋፊኑ ሰብ ብምምሳል፡ ኣብ ርእሱ ድማ ቆቢዕ ገበረሉ። ‘ምህርተይ ንምሕላው ዘድልየኒ ኣይኰነን። ክልተ ኣእዳው ዘለዎ ባንቡላ ብቐትሪ ኰነ ብለይቲ ንዝተዓዘቦ እንስሳ ንምፍራሕ እኹል’ዩ፡’ በለ ክምስ ብምባል።
ጂብራን፡ ነታ ኣብ ደረት ግራት ዝረኣያ ባንቡላ እናተዓዘበ፡ “ሓንሳብዶ ክሓተካ?” በሎ። “ንስኻ ናይ ሓሶት ሰብ – ባንቡላ ኢኻ። እዚ ሓረስታይ ንዓኻ ምፍጣሩ ኣይተረድኣንን። ንቑሕ ኣይኰንካን፡ ንዝረኣየካ ባንቡላ ኢኻ፡ ኣብ ግዜ ዝናብ፡ ኣብ ግዜ ጸሓይ፡ ኣብ ዝወዓየን ዝዛሓለን ወቕቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ግዜ ኣብዚ ድሉው ኣለኻ፡፡ ስለምንታይ?” ብምባል ሓተቶ ነቲ ባንቡላ።
እቲ ናይ ሓሶት ሰብ – ባንቡላ፡ “ናተይ ዕግበት ኣይፈለጥካዮን። ነዞም ድኹማት ምፍራሕ’ዩ። ዋጋ ናይዚ ኣብ ግዜ ጸሓይ፡ ኣብ ግዜ ዝናብ፡ ኣብ ግዜ ጸላም ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ግዜ ንዕኦም ምስቓየይ፡ ንዕኦም ካብ ምፍርራህ ዝርከብ ዕግበት ንምርካብ’ዩ። ኣብ ውሽጠይ ዋላ ሓንቲ የብለይን፡ ብዛዕብኡ ግን ዘገድሰኒ ኣይኰነን። ኣነ ብምፍርሖም ዝርከብ ዕግበት’ዩ ዘገድሰኒ፡” ብምባል መለሰለይ።
በቲ ሓሳባት እናተገረምኩ፡ ‘ንሕናኸ ከምዚ ባንቡላ ዲና ክንከውን ንደሊ እስከ – ውሽጥና ንፈትሽ። ዋላ ሓንቲ ዘይብልና ሰባት ከነፍርሕ፡ ከነሐጉስ፡ ክንትንኩል፡ ከነዋርድ ወዘተ. ብሓፈሻ ምእንቲ ሰባት ዲና ንነብር ዋላስ..?’
ዝበዛሕና ሰባት ከምዚ ናይዚ ባንቡላ ዓይነት ርድኢት ዘለና፡ ብዛዕባ ካልእ ሰብ ኣፍልጦ ዘይብልና ክንስና ከም ንፈልጦኴንና ንሕና ንኣምነሉ ጥራይ ብዛዕባ ደጊኡ ጥራይ ክንዛረብ መሬት ዝወግሓና ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ዓይነት ናይ ምንባር ኣካይዳ ካብ’ታ ብውሽጣ ገለ ዘይብላ ብደጊኣ ግን ምልእቲ እትመስል ባንቡላ ዝፈሊ የብሉን። ንመን ኢኻ ትነብር? ክምለስ ዘለዎ ሕቶ’ዩ።
ኣብ ህይወት ጽባቐ ገዛእ-ርእስኻ ንምምላእ ውሽጥኻን ደጌኻን ማዕረ ከም ዝስጉም ምግባር ሓጐስ ኣብ ዙርያኻ ንኽነብር ከተፍቅደሉ ኢኻ። ንመን ትነብር ፈሊጥካ ንውሽጥኻ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ኣብ ምሉእ ጉዕዞኻ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ክትነብር ኢኻ ንውጥኻ መሲልካ ምንባር እንተ ኽኢልካ።