ውዱባት ጉጅለታት ገበን ንመንግስታዊ ጽላት ብኸመይ እዮም ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ዝምስምዝዎ ዘለዉ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ መጽናዕቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ። ኣብዚ መደምደምታ ዝበጽሐ ማእከል መጽናዕቲ ንግድን ፖሊስን ድሕሪ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ። ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ካብ ውልቃዊ ተመኲሮአን ብምብጋስ፥ እዞም ውድባት ገበን በዚን በቲን እዮም ገንዘብ ዝረኽቡ ዘለዉ ዝብላ እኳ እንተኾና ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ዝኾነ ስሩዕን ወግዓዊን መጽናዕቲ ዛጊት ኣይተኻየደን ክትብል ስነፍልጠተኛ ፖለቲካ ካሪና ጉናርሰን ንማእከል ቢዝነስን ማጽናዕቲታት ፖሊሲን ኣመልኪታ ድሕሪ ዝገበረቶ ዳህሳስ ገሊጻ’ላ። ንሳ “እዚ ዓብዪ ጸገም እዩ። መጽናዕቲ የለን ማለት፥ ነዘን ስርዓታት ተኣፈፍቲ ዝገብረን ዘሎ ምኽንያት ብግቡእ ኣይፍለጥን ኣሎ ማለት እዩ” ትብል። ኣቐዲማ ኣብ ማፍያ ሲሲልያ ከምኡ’ውን ውድባት ገበን ሶደርታልየ–ደቡብ ስቶክሆልም–መጽናዕቲ ዘካየደት ካሪና፥ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ገዚፍ ገንዘብ ህዝቢ እየን ዝሕዛ፡ እዚ ድማ ንገበነኛታት ሰሓብቲ ዒላማ ክኾና ይገብረን ምህላዉ ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።