ምስ ዝውታረ ስርዓተ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ፡ ማዕረ ማዕሬኡ ኣሉታዊ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ይረኣዩ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣርቲፊሻል
ኢንተሊጀንስ ዝጥቀሙ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ብ ጽምዋ ከም ዝጥቅዑ እዚ ድማ ንስእነት ድቃስን ድሕሪ ስራሕ ድማ ናብ መስተ
ምዝውታርን ይመርሖን ኣሎ ክብል ኣመሪካን ሳይኮሎጂከል ኣሶሴሽን ኣብ ዘሕተሞ መጽናዕታዊ ዳህሳሱ ኣመልኪቱ። እዞም
ተመራመርቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ታይዋን፡ ኢንዶኔዥያን ማሌዥያን ድሕሪ ዝገበርዎ መጽናዒ እዚ ተርእዮ ኣብ ኲሎም ባህሊታት
ተመሳስሊ ምዃኑ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ኣፕላይድ ሳይኮሎጂ ዝተባህለ መጽሔት እተሓትመ ማጽናዕታዊ ተረኽቦ ዝመርሐ
ፖክ ማን ታንግ ኣብ ሓደ “ባንክ ወፍሪ” ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ብብዝሒ ይጥቀም ምንባሩን፡ በዚ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ
ኣብ ጥዕና ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤናት ንኽግደስ ምኽንያት ምዃኑን ገሊጹ’ሎ። ኣዝዩ ዝተራቐቐ ስርዓተ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ
ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ንክኽሰት ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ፡ ገለ ስራሕ በዚ ሰውራ ብዙሕ ጠቕሚ ይረክብ ምህላዉ፥ እንተኾነ
ግና ጎድኒ ጎድኒ እዚ እወታዊ ምዕባለታት፥ ኣብ ስራሕተኛታት ኣዕናዊ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጽልዋ ክህላዎ ከም ዝኽእል፥ ኣብ
ዩኒቨርሲቱ ጆርጂያ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማኔጅመንት ዝኾነ ታንግ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
"ሰባት ማሕበራውያን እንስሳታት እዮም፡ በዚ ድማ ንስራሕ ካብ ደቂሰባት ዝጓኒ ስርዓተ ኣርቲፊሻል ኢተሊጀንስ ኣብ ስራሕተኛታት
ኣሉታዊ ጽልዋ ይኽእል እዩ” ዝበለ ታንግ፥ እንተኾነ ግና በቲ ሓደ ሸነኽ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ንሰራሕተኛታት ገለ ረብሓታት ከም
ዝህብ ምልላዮም ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ሓደ ካብዚ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝጥቅሙ ሰራሕተኛታት ንኻልኦት መሳርሕቶም
ክሕግዙ ዝያዳ ተበግሶ ዘለዎም ምዃኖም እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ንባዕሉ ካብ ዝስምዖም ዓሚቚ ናይ ብሕታውነት ስምዒት
ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ታንግ ኣመልኪቱ።
ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዘማዕብላ ኲባንያታት ነዚ ብምግንዛብ፥ ማሕበራዊ ገጻት ናይ ህይወት ዝንጽባርቕ ፕሮግራማይ ክጽዕንዎ፥
ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝጥቀማ ኲባንያታት ሰራሕተኛታተን ብሓባር ዝዋስኡሉን ዝዘናግዑሉን ፕሮግራማት ከም ኣካል
ስራሕ ከተኣታትዋ ከም ዝግባእ ታንግ ኣተሓሳሲቡ።