ኣብ ጒዳይ ብልሽውና፡ ሽወደን ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ። “ትራንፓረንሲ ኢንተርናሽናል” ዝተባህለ
ውድብ ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘሎ መጠን ብልሽውና ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ተርታ፡ ሽወደን ኣብ ዓለምና ካብተን ዝተሓተ መጠን
ብልሽውና ዝረኣየለን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰመያ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኖርዲክ ግና ዝተሓተ ደረጃ ምሓዛ ተፈሊጡ።
"ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዋ ዘተሓሳስብ እዩ” ክትብል ኣደመንበር “ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ሽወደን” ኡልሪክ
ኣሽቩድ ገሊጻ’ላ።