ኣብ ጀርመን: ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ: ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ነቲ ብኣንገላ መርከል ዝምራሕ ሰልፊ ብጸቢብ ከም ዝሰዓሮ ባይቶ እታ ሃገር ገሊጹ።
በዚ ድማ መራሒ ናይቲ ሰልፊ: ኦላፍ ሾልዝ: መንግስቲ ከቕውም መዝነት እኳ እንተለዎ ካብ መቐናቕንቱ ኣርሚን ላሼት ሓያል ቃልሲ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
እዞም ክልተ ሰልፊታት: ንዓመታት ብሓባር መንግስቲ ብምቋም ክመርሑ እኳ እንተጸንሑ: ክቕጽሉ እዮም ኢልካ ከም ዘይሕሰብ ተመልኪቱ። ኣብ ክንዳኡ: ሓምላይን ሊበራልን ሰልፊታት ሓድሽ ልፍንቲ ብምቛም ዝተፈልየ ተራ ንምጽዋት ይዳለዉ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብቲ ክሊማዊ ለውጢን ብኸመይ ክንቃለሶ ኣሎና ዝብሉ ዛዕባታት ዝዓብለልሉ ምርጫ ዝበዝሑ ትሕቲ 30 ዝዕድሜኦም ሰባት ነዘን ክልተ ሰልፊታት ድምጾም ምሃቦም ተፈሊጡ። ሓምላይ ሰልፊ 15% ብምርካብ ታሪኽ እንተሰርሐት መራሕታ እዚውን ካብ ትጽቢቶም ንታሕቲ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ምርጫ ሎምዓመት: ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ እተኻየዱ እቲ ዝጸንከረ ውድድር እተራእየሉ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ። ክልቲኣተን ሰልፊታት (ማሕበራዊ ሰልፊን ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊን) ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረን ዕብለላ ዝፈተነ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ። ብዘይካዚ እዚ ሕጂ ተዓዊቱ ዘሎ ሰልፊ ዘደንቕ ወፍሪ ምግባሩ፥ ዓቃባውያን ግና በንጻሩ ዝኸፍአ ንጥፈት ምርኣዮም ተተንቲኑ።