ኣካዳሚ ሽወደን ተሸላሚ ኖቤል ብስነጽሑፍ 2018 ኣብ ምድላው ኣሎ። ዓሚ ብጾታዊ ቅለት ዝተላዕለ ዓቢ ሕንፍሽፍሽ ድሕሪ ምኽሳቱ ነቲ ሽልማት ተወዚፉ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣካዳሚ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ክልተ ሽልማታት ኣፋሊጡ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ሽልማት ብሓሙስ ጥቅምቲ 10 እቲ ኻልኣይ ድማ ከምቲ ካብ ዕለታት 7 ክሳብ 14 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝእወጅ እዩ።
ብመሰረት ትንበያታት ካናዳዊ ጸሓፊት ኣን ካርሰን ዝለዓለት ሕጽይቲ ናይዚ ዓመት እያ። ስዒቡ ጸሓፊ ጂርጅ ማርቲን ተገሚቱ’ሎ። ካልኦት ሕጹያት ማሪስ ኮንደ፥ ትሱን ሹ፡ ሃሩኪ ሙራካሚ፥ ሩስያዊ ልዩድሚላ ኡሊትሱካያ፡ ኬንያዊ ንጉጊ ዋትዮንጎ፡ ካናዳዊት ማርጋሬት ኣትዉድ ኣመሪካዊ ማርሊን ሮቢንሰን ፖላንዳዊት ኦልጋ ቶካሩክ ይርከብዎም። ሃንጋርያዊ ጸሓፊ ፒተር ናዳስ ሲርያዊ ተቐናዪ ኣዶኒስ ኣውስትራልያዊ ገራልድ ሙርናኒ ብሪጣንያዊ ሚርስያ ኮርትሴርሶ፡ ያ ህዋ፡ ኣልባንያዊ እስማዒል ካዳሪ፥ ስጳኛዊ ሃቬር ማርያስ፡ ሚላን ኩንዴራ ከምኡ’ውን ፒተር ሃንድኬ ይርከብዎም።
ሽልማት ፊዚክስ ኣመሪካዊ ጆን ክላውሰር፥ ፈረንሳዊ ኣላን ኣስፔክትስን ኣውስትርያዊ ኣንቷን ዚሊንጀርን ተሓጽዮም ኣለዉ። ስነቕመማ (ኬሚስትሪ) መሃዚ ባተሪ ሊትየም ኣመርካዊ ጆን ጉድናው። ስነ ቊጠባ ክዕወቱ እዮም ተባሂሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ሰልሰተ ሕጹያት ኣመሪካዊት ኣን ክሩገር፡ ኲባዊት- ኣመሪካዊት ካርመን ከምኡ’ውን ፈረንሳዊት ኤስተር ዱልፎ እየን።
ሽልማት ሰላም ሽውደናዊት ኣክቲቪስት ክሊማ ግሬታ ዝለዓለ ቦታ ሒዛ’ላ። ካልኦት ተረቋሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ከምኒ ሪፖርተርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዝበላ ዘይመንግስታውያን ውድባትን ተሓጽዮም ኣለዉ ተባሂሉ።