ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራትስ ምምሕዳር ከተማ ሶልቭስበርግ ኣብያተ ንባብ እታ ከተማ ብሽወደን ዘይተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምምጻእ ብዛዕባ ምቊራጽ ክመክር እዩ። እዚ ድማ ንስደተኛታት ማእከል ብምግባር ዝተበጽሐ ውሳነ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ዘተ ዝበዝሑ ተመሃሮ ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ዘለዉ መጻሕፍቲ ከም ዘየንብቡን ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምግዛእ ብዘይካ ክሳራ ካልእ ረብሓ ዘለዎ ዘይምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ብኣንጻሩ እዚ ንብዙሕነት ባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝጻረር እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ኣለዉ።፡ እዚ ምምሕዳር ከተማ ኣቐዲሙ ነቲ ብኣገልግሎት ስደተኛታት ዝወጸ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናይ ምእንጋድ ውሳነ ከም ዘይቅበልን መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘይህብን ገሊጹ ኔሩ’ዩ። እዚ ምምሕዳር ከተማ ኣቐዲሙ’ውን ባንዴራ ግብረሰዶማውያን ኣብ ህንጻ ምምሕዳር ከተማ ከም ዘይሰቅል ኣፍኪጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።