ምምሕዳር ተይቢ (Täby) ኣብ ከባቢ ዓሰርተ ሓደ እንደገና መመስርሒ ትካላት (Recycling Plant) ዝርከቡ ለመንቲ ንምኽልካል ዘኽእል ፍቓድ ካብ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ስቶክሆልም ረኺባ። እቶም ነዚ እገዳ ዝጥሕሱ ለመንቲ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ዓቃባውን ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ብሓገዝ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ነዚ ውሳኔ ከም ዝራዓመኦ ይዝከር።
ይኹን እምበር እዚ ውሳኔ ካብ ክልቲአን ሰልፍታት መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ማእከላይን ሊበራላዊ ሰልፍታት ውን ተሪር ተቛውሞ ከም ዘጋጠሞን እዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ከይግበረሉ ንምምሕዳራዊ ሽማግለ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓገዝ ክሓትት መስል ከም ዘለዎን እዚ እገዳ ድማ ምስቲ ሕጋጋት መሰል ደቂ ሰብ ዝጻረር ምዃኑ ክብሉ እቶም ተቛወምቲ ሓሳቦም ገሊጾም።