ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ንኹሎም ነበርቲ እቲ ምምሕዳር ኣብ መፋርቕ ወቕቲ ክረምቲ፡ ክታበት ኮሮና ከቲቡ ክውድእ ከም ዕላም ሒዙ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እቲ ወጢንዎ ዝነበረ ደረት ግዜ ናብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ከምዘሰጋገሮ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣቃሊሑ።
ኣብ መስርሕ ምርኽኻብ መድሃኒት ክታበት፡ ምድንጓያት ብምግጣሙ፡ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ዕላማ፡ ኣብ እዋኑ ክንወቕዖ ኣይክንክእልን ኢና። ፍርቂ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ካብቲ ኤውሮፓዊ ኤጄንሲ መድሃኒት ጌና ተቐባልነት ዘይፈኸበ፡ ፍርያት ኩባንያ ኩዋቫክን ጆንሶንን (Curavac and Johnson) ዝኾነ ክታበት እዚዝና ኣለና ክብል ደዚረ ፔትሩስ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ እታ ዝተሓተ መጠን ክትባት ዘለዋ ምምሕዳር ኮይና፡ 2.65% ካብ ተቐማጦኣ ጥራይ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ዝረኸቡ እዮም። መጠን ክትባት ናይተን ዝተረፋ ምምሕዳራት፡ ልዕሊ 5% ምዃኑ ይፍለጥ።