ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትሪያ፡ ቪየና፡ ዝቕመጡ ዲፕሎማሰኛታታ ምስ ሕማም ሃቫና ሲንድሮም፡ ዝመሳሰል ምልክታት ከም ዝረኸበትሎምን ነቲ ኲነታት ብዕቱብ ትምርምሮ ምህላዋን ገሊጻ ክብል ማዕክነ ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ሕማም፡ ንመጀርመርያ ግዜ ኣብ ዓመተ 2016፡ ኣብቶም ኣብ ሃገረ ኩባ ዝነበሩ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ከምዝተራእየ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ከምኒ መርዘንን ምድንዛዝን ዘኸትል ኮይኑ፡ ብርትዕ እንክብል ድማ፡ ቀዋሚ ምዕናው ኣእምሮ ከም ዘስዕብ ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድማ፡ ኣብ ካንቶም ቻይና ዝነበረ ኣባል ቆንስል ኣመሪካ፡ በዚ ከም እተጠቕዐን ካብ ሩስያን ኣሜሪካዊት ማያሚን ውን ተመሳሳሊ ጸብጻባት ከም እተረኽቡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ጋዜጣ The New Yorker፡ 20 ዝኾኑ ኣብ ቪየና ዝርከቡ ኣመሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ምልክታት ሕማም ሃቫና ሲንድሮም ኣርእዮም ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ።
ሕማም ሃቫና ሲንድሮም፡ ብኸመይ ከም ዝኽሰት ዛጊት ከም ዘይፍለጥ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተዋደደ፡ ናይ ማይክሮወይቭ መጥቃዕታት ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ክፍሊ ሃገራዊ ኣካደሚ ሳይነስን ምህንድስናን መድሃኒት ኣመሪካ፡ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ዝፍኖ ማዕበል ማይክሮወይቭ፡ ቀንዲ ምንጪ እዚ ሕማም ምዃኖም ምግላጹ እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።