ኣብ “ዩኒቨርሲቲ ምዕራብ ስኮትላንድ (UWS)” ብዝርከቡ ተመራመርቲ እተማህዘ ስምዒት ሰባት ዘለሊ ቴክኖሎጂ፡ “ኦቲዝም”
ንዝኣመሰሉ ሕማምት ኒውሮዳይቨርስ ንዘለዎም ሰባት ክጠቅም ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ስምዒት ሰባት ምልላይ፥ በዳህን
ዝተሓላለኸን መጽናዕታዊ ዓውዲ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መስርሕ ምርኣይ ዝተመዝገበ
ፍልጠት፡ ከምኡ’ውን ምጒዳል ዋጋ ከም እኒ ኤሌክትሮኢንሰፋሎግራም ከምኡውን ኤሌክትሮ ካርዲዮግራም ዝኣመሰሉ ናውቲታት
ንንባብን ትንተናን ሓንጎልን ስምዒትን ክብ ከም ዝብል ጌርዎ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራብ ስኮትላንድ ዳይረክተር ኣፈክቲቭን
ሂዩማን ኮምፒዩቲንግ ዝኾነ ፕሮፌሰር ናዒም ራምዛን "ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ተለባሳይ ቴክኖሎጂ – ብዙሕ
ሴንሰራትን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ተጠቒምካ – ንስምዒት ኣለሊኻ ኩለመዳያዊ ዳታ ንምፍጣር ኣኽኢሉና እዩ። እቲ ዳታ
ንተመራመርትን ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፥ ምኽንያቱ ብዛዕባ መበገሲታት ስምዒታት ዝሓሸ ርድኢት ክህልዎም
ዝገብር እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ። እዚ ምርምር፡ ንሓካይምን ኣለይትን፡ ስምዒታዊ ኩነታት ናይቶም ዝተፈላለየ ኒውሮ ዳይቨርስ
ኩነታት ዘለዎም ውልቀሰባት ብዝበለጸ ንኽርድኡ፤ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ገምጋማት ጥዕና ኣእምሮ ንምምሕያሽን ንስምዒታዊ
ብድሆታት ብኣግኡ ንምኽኣልን ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ።