ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ወ/ሮ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደንን መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትናን ዝኾነ፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ተኪኣ፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኮይና ከም ተመርጸት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሰልፍታት፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኪ መልእኽታት ክሰዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ንምምራጻ፡ ብኣወንታ ኣይረኣይዎን።
እንቋዕ ሓጎሰኪ ማግዳሌና፡ እንቋዕ ናብ ዓንኬል መራሕቲ ሰልፍታት ተጸምበርኪ። ኣብ መኣዲ ፖለቲካ ሽወደን፡ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና፡ ንዘራረበሉ፡ ንእከበሉን ንተሓጋገዘሉን ኩነታት ንኽፍጠር ተስፋይ ወሰን የብሉን ክትብል መራሒት ሰልፊ ሰንተር፡ ኣኒ ሉፍ፡ ኣብ ገጻት ትዊተር ገሊጻ።
መራሒት ሰልፊ ሚልዮ ፓርቲዮት፡ ማርታ ስተነቪ፡ ብወገና፡ ናብ ማግዳሌና፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኪ መልእኽቲ ድሕሪ ምስዳዳ፡ ንሽወደንን ጉዳይ ክሊማን፡ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንቃለስን እምነ ክትብል ገሊጻ።
ንማግደሌና ኣንደርሸን እንቋዕ ናብዚ ክቡርን ዝኸበደን ሞያ ኣብቃዓኪ ክብል እደሊ ክትብል ሓላፊት ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ኤባ ቡሽ፡ ናይ ዮሃና መልእኽታ ብመንገዲ ትዊተር ሰዲዳ።
ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ስቴፋን ሎቬን፡ ሽወደን፡ ከም ኣብነት ናይ ሓንቲ መፍርሒ ሃገር ኮይና እያ። እቲ ንሽወደን እንምነዮ፡ ሕጂ ውን፡ ምስ ምምራጽ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ዝመጽእ ለውጢ ዘሎ ኣይመስለንን ክብል ሓላፊ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትስ፡ ጂሚ ኦከሶን፡ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ገሊጹ።