ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ንምዝርራብ ናብ ሞስኮ ከምርሕ እዩ። ማክሮን ነዚ ምብጻሕ ዝፍጽመሉ ዘሎ ምኽንያት ቅልውላው ዩክሬይን ንምህዳእን ፖለቲካዊ ተራ ኣውሮጳውያን ንምድንፋዕን እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ማክሮን ኣብ 2019 ምስ ፑቲን ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ብርክት ዝበለ ግዜ እኳ እንተተራኽበ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እናዘሓለ ክምጽእ ምጽንሑ እዩ ዝግለጽ።
እዚ መገሻ ማክሮን ነቲ ምናልባት ዘይተርፍ እዩ ዝበሃል ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንምድንጓይን ግዜ ንምግዛእን ዝግበር ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለዉ። ፈረንሳ ን ቆንስላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተረኛ ኮይና ኣብ እትመርሓሉ ዘላ እዋን ማክሮን ንሃገራት ኣውሮጳ ወኪሉ ኣብዚ ኢፕሎማስያዊ ኲናት ክዋፈር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ እዩ ዝንገር። ማክሮን ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ዝኾነ ካልእ መራሒ ኣውሮጳ ብዝዛየደ ምስ ፑቲን ብርክት ንዝበለ ግዜ ብተሌፎን ምዝርራቡ ዝፍለጥ እዩ። ፑቲን ብዘይካ ንፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንኻልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ከም መዘና ተላዛባይ ክርኢ ከም ዘይደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብዘይካዚ ሎሚ ሰኑይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዢን ይቨስ ለ ድርያን ምስ ጀርመናዊ መዘናኡ ኣናሌና ባርቦክ ብምዃን ንዩክሬይን ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ናብ ኪዬቭ ክጓዓዙ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ድሕሪ ሰሙን እውን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ናብ ዩክሬይንን ሩስያን ብምጒዓዝ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢታት ኣሎ።