ካብ’ዚ ሰሙን ጀሚሮም፡ ሃገረ ሱዑዲ ዓረብ፡ ነቶም ምሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም ዑምራ ክገብሩ ዝደልዩ በጻሕቲ፡ ኣፍደጊኣ ክትከፍት ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ንጸብጻብ ማዕከን ዜና SPA ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ።
ቁጽሪ ናይቶም ናብ ማካን መዲናን ዝበጽሑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ክሳብ ክልተ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእልን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምቁጽጻር ድማ ዝግባእ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ተዳልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ዑምራ፡ ዘይከም ሓጅ፡ ኣብ ውሽጢ ምሉእ ዓመት ክካየድ ዝኽእል ኮይኑ፡ ዓመታዊ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ሃማኖት እስልምና ዘካይድዎ ሃይማኖታዊ ንግደት እዩ። ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ድሕሪ ሽውዓተ ኣዋርሕ ምስንኻል፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ዑምራ ከምዝጀመረ ይዝከር።
ዓመታዊ ኣብ ዝግበር ናይ ዑምራን ሓጅን ስነስርዓት፡ ሃገረ ሱዑዲ ዓረብ፡ 103 ቢልዮን ክሮነር ኣታዊ ከምእገብር ጸብጻባት ይሕብሩ።