ቍጠባ TT
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 337 000 ሰባት ስራሕ-ኣልቦ ነይሮም፡ እዚ ድማ 6.1 ስራሕ ኣልቦነት ከም ዘሎ የርእይ። እዚ ብመሰረት ማእከላይ ስታቲስቲክስ ቤትጽሕፈት (SCB) ነቲ ስራሕ ኣልቦነት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2017 ኪነጻጸር ከሎ ብ 11 000 ሰባት ክብ የብሎ ወይ ድማ ብ 0.1 ሚእታዊት።
ዕድል ስራሕ ብ 56000 ሰባት ክብ ብምባል ናብ 5 165 000 ሰባት ክብ ኢሉ። እዚ ድማ ናይ 69.2 ሚእታዊት ዕቤት የርኢ።
ብመሰረት ናይ ወርሓታዊ ምጽራይን ምውግጋንን ዳታ (trendvärden)፡ እቲ ስራሕ-ኣልቦነት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 6.4 ሚእታዊት እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ደረጃ ኣለዎ።