ቊጠባዊ ፖሊሲታት ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን፡ እወታዊን ኣሉታዊን ጎድኒኣት ከም ዘለዎም ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን ካሪን ዮሃንሰን ገሊጻ። ኣብ ስድራቤታትን ቢዝነሳትና ዝጸንሐ ልዑል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ንምቕራፍ ዝግበር ጻዕሪ ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ እዞም ፖሊሲታት ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ሽቐለት-ኣልቦነት ረብሓታት ንምውሳኽ ድሌት ከም ዘይብሎም ካሪን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ።
እዞም ፖሊሲታት ስራሕ ንዝቕይሩ እወታውያን ኣይኮኑን ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖም ምህላዉ ኣደመንበር ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግድ ሽወደን ሱዛን ጊደዮንሰን ኣተሓሳሲባ’ላ።