ሓፈሻዊ ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግዲ ሽወደን ካብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ንዝግበር ምቚጻር ሰራሕተኛታትን ብፍላይ ኣብ ትሑት ስራሕ ምቚጻርን ኣጥቢቑ ከም ዝቓወም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ማሕበር ኣብ ሽወደን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት እናሃለወ ከምዚ ዝበለ ትሑት ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ናብ ሽወደን ምምጻእ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም እናተባህሉ እዮም ተታሊሎም ናብ ሽወደን ከም ዝመጹ ዝግበሩ ብምባል እዚ ማሕበር መረረቱ ይገልጽ።
መርማሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት ማትያስ ሹልስታድ ን ኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝሃቦ ሓበሪታ ብዙሓት ካብዞም ሰራሕተኛታት ኣውሮጳ ዝኣትዉሉ መንገዲ ጥራይ ስለዝደልዩን፡ ነቲ ስራሕን ሕቶ ዕቚባን ዝብል ከም መንገዲ መርከቢ ፍቃድ መንበሪ ብምጥቃም ብዙሓት ትካላት ኣብ ብልሽውና ኣትየን ከምዘልዋ ሓቢሩ።