ማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (SPD) ኣብ ዝቕጽል ባይቶኣዊ ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ምስ ሓምላይ ሰልፊ ልፍንቲ ብምፍጣር፡ ነታ ሃገር ክመርሕ ከም ዝደሊ፡ መራሒ እቲ ሰልፊ፡ ኦላፍ ሾልዝ፡ ን Tagesspiegel ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እዘን ክልተ ሰልፊታት፡ ኣብ ዝበዝሑ ጒዳያት ናይ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ሰልፊ SPD፡ ን ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራት (CDU) ይመርሖ እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ፍልልይ፡ ንሰልፍታት ሓምላይን SPDን ዝበዝሐ መንበራት ባይቶ ንኽህልዎም ዘኽእሎም ስለዘይኮነ፡ ናይ ሳልሳይ ሰልፊ ደገፍ ከድልዮም ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።
ሾልዝ፡ ምስ ጸጋማዊ ሰልፊ Die Linke ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል በሪ ፈጺሙ ብዘይምዕጻዉ፡ መራሒ ሰልፊ CDU፡ ኣርሚን ላሼት ነቒፍዎ ኣሎ። ሾልዝ ብወገኑ፡ ሰልፊ Die Linke ንኣባልነት ጀርመን ኣብ NATO ስለዝቃወም ንመንግስትነት ብቚዕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ክብል ኣብ ልዕሊ እቲ ሰልፊ ዘለዎ ርእይቶ ኣስሚዑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰፊታት SPD ን CDU ልፍንቲ ፈጢሮም ሃገር የማሓድሩ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ መራሒት CDU ነበር፡ ኣንገላ መርከል፡ ከም ቻንስለር፡ ሾልዝ ድማ ከም ሚኒስተር ፋይናንስ ናይታ ሃገር ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ይፍለጥ።