ንጾታዊ ማዕርነት ብዝምልከ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ጉዳይ ነዊሕ እዋን ዝሰርሐት ሃገር እያ። ጾታዊ ማዕርነት ማለት ጓል ኣንስተይቲ ኾነት ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ኩሎም ናይ ህይወት ኣጋጣሚታት ማዕረ ዕድል ኣለዎም ማለት’ዩ፥ ንኣብነት ማዕረ ስራሕ ኣብ ምርካብ፣ ኣብ ዕዮታት ገዛን ቆልዑት ምዕባይን ኣብ ዝህልዎም ናይ ስራሕ መቐሎ፣ ቁጠባዊ ማዕርነትን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ዓመተ 1921፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ፍሉይ ዝኾነ ክብሪ ኣለዋ። ኣብቲ እዋን’ቲ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን፡ ንመጀምርታ እዋን ናይ ምርጫ ድምጺ ዝሃባሉ እዩ ነይሩ። ስዒቡ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ክሕገጉን ክመሓየሹን ጀሚሮም።